ሎሚ ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 4 ፀወታታት ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ መርሃ ግብሪ መበል 29 ሰሙን ሎሚ ምሸት 4 ፀወታታት ክካየድ እዩ።
ኣብ ቀፃሊ ውድድር ዓመት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮፓ ትወዳደር ዘላ ሊቨርፑል ናብ ስታድየም ሞሊኒክስ ተጓዒዛ ምሸት ሰዓት 5፡15 ድሕሪ ቀትሪ ምስታ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ሊግ ዘላ ዎልቭስ ክትገጥም እያ።
ቅድሚ እዚ ፀወታ ቦርንማውዝ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ኤቨርተን ምስ በርንሌይ ከምኡ እውን ሊድስ ድማ ምስ ሰንደርላንድ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሰዓት 4፡30 ክገጥማ እየን።
ኣርሰናል ንማንቸስተር ሲቲ ኣስዒባ ብ64 ነጥቢ ኣብዚ ሊግ ትመርሕ ዘላ እንትትኾን ዎልቭስ፣ በርንሌይን ዌስትሃም ዩናይትድን ድማ ኣብ ዞባ ምውራድ ይርከባ ክለባት እየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!