Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ዓመት ንተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ውሽጢ 750 ሺሕ ዝኾኑ ጂኦግራፊያዊ ምርካቦም ክርኢ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ሕርሻ ሎሚ ዓመት ንተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ውሽጢ 750 ሺሕ ዝኾኑ ጂኦግራፊያዊ ምርካቦም ክርኢ እዩ ኢሉ፡፡

ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋ ልምዓት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሚኒስቴር ፋኖሴ መኮንን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ÷ ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ክሽፍን እዩ።

ኣብ ኣናእሽተይ መሬት ኣብ ሓረስቶት ኣብ መረባኦም ካብ ዝትከሉ ፈልሲ ወፃኢ ብውልቀ ሰባት፣ ብመንግስታት ወይ ድማ ማሕበራት ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኦም ዘርኢ ቦታ ክትከል እዩ ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ልዕሊ 750 ሺሕ መትከሊ ቦታታት ጂኦግራፊያዊ ምልክት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፣ ሕድሕድ ተኸላ ፈልሲ ሓደ ሪፖርተር ብምምዳብ ነዞም ቦታታት ካብ ዝተለመደ ቁፅሪ ፈልሲ ኣብቲ ሲስተም ምምዝጋብ ከምዘይክኣል ኣረዲኦም፡፡

ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብጎግል ማፕ ብምእታው ሓበሬታ ምርካብ ከምዝኽእል ኣገንዚቦም፡፡

ሎሚ ዓመት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ጂኦግራፍያዊ መቀመጢኦም ቦትኦም ከምዝረኣዩ ገሊፆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.