ሎሚ ዘለና ጉልበትን ጥንካረን ንመፃኢ ትውልዲ ብዘትርፍ መገዲ ኢትዮጵያ ሃፍታ ምግላፅ ይግበአና-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘለና ጉልበትን ጥንካረን ንመፃኢ ትውልዲ ብዘትርፍ መገዲ ኢትዮጵያ ሃፍታ ምግላፅ ይግበአና ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ምድማር ሓሳብ መንግስቲ፣ ውልቀ ዓውዲ፣ ተፈጥሮን ናይ ትማሊ ሃፍቲን ንብሩህ መፃኢ ኣብ ሓደ ዘተኣኻኽብ ኢዩ ኢሎም።
ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዝመረቕናዮ ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ነዚ ብግልፂ ርኢና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ስራሕ ካብ’ቲ ከባቢ ብዝተረኸቡ ናውቲታት ህንፀትን ብናይቲ ከባቢ ዓቕሚን ዝተሃነፀ ብምዃኑ ዘላቕነተን በዓል ዋናነትን ዘንፀባርቕ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሃገርና ብባህሊ፣ ተፈጥሮን ታሪካዊ ጥሪትን ዝተዓደለት ኢያ ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ ዘለና ጉልበትን ጥንካረን ንመፃኢ ትውልዲ ብዘትርፍ መገዲ ኢትዮጵያ ሃፍታ ምግላፅን ምቕፃልን ይግበአና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!