Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ዘበን ንምትካል ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ክሳብ ሐዚ 5 ነጥቢ 5 ቢሊየን ተተኺሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘበን ንምትካል ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ክሳብ ሐዚ 5 ነጥቢ 5 ቢሊየን ተተኺሉ ኢሉ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ብሄራዊ ሓምለዋይ ኣሰር።

ካብ መንጎ እቶም ሎሚ ዘበን ዝትከሉ፥ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ደኒ፣ 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ድማ ኣገልግሎት ጥምር ደኒ ዘህቡ ፈልሲታት ምድላዎም ገሊፁ።

ንምግብነት ዝውዕሉ 632 ሚሊየን ፈልሲታት ፍራምረ ምድላዎም እውን ኣተሓባባሪ እቲ ኮሚቴ  ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር ) ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቶም ፈልሲታት እንትዳለዉ ንምፅዳቕ ነክሕግዞም 4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ፈልሲ ዝተዳለወ ብላስቲክ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ 116 ጣቢያታት ፈልሲ መድላው ፈልሲ እንትካየድ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ልዕሊ 2 ሚሊየን ሄክታር ዝተጎድአ መሬት ተፈሊዩ ኢዩ ኢሎም።

ብምትካል ምብራኽ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልስታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣብ መልላእ ሃገር ይካየድ ኣሎ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.