ሎሚ ዝፍልም መበል ካልኣይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሕሪ ኣዋርሕ ብሓዱሽ ዘበን ውድድር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ሃንቀውታ ብዙሓት ዝኾነ ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ብምሓዝ ሎሚ መበል ካልኣይ ሰሙን መርሃ ግብሩ ክፍልም ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ደርቢ ለንደን ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ክጋጠሙ ኢዮም።
ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ዝጅምር እቲ ፀወታ፥ ኣሰልጣኒ ዌስትሃም ዝኾኑ ግራሃም ፖተር ንናይ ቀደም ጋንተኦም ክገጥሙ ኢዮም።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን እቲ ሊግ ብሰንደርላንድ 3 ንሓደ 0 ዝተስዓረ ዌስትሃም ሎሚ ነጥቢ ንምርካብ ኣብ ሜድኡ ዝገብሮ ፀወታ ልዑል ንሕንሕ ክረኣየሉ ኢዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።
ኣብ ናይ ለንደን ደርቢ ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ነጥቢ ተማቒሉ ዝወፅአ ቼልሲ ቀዳማይ ዓወቶም ንምርካብ ሎሚ ኣብ ዝገብርዎ ፀወታ ክስዕሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ናይ ፅባሕ መርሃ ግብሩ፥ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰዓት 8፡00 ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ፀወታ ሲቲ ኣብ ልዕሊ ዎልቭስ 4 ን ዐ፣ ቶተንሃም ኣብ ልዕሊ በርንሌይ 3 ን ዐ ምዕዋቶም ይዝከር።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ንማንቼስተር ዩናይትድ ብምስዓር ነቲ ውድድር ብዓወት ዝጀመሮ ኣርሰናል ፅባሕ ምሸት ምስ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ ሜዲኡ ክፃወት ኢዩ።
ኣርሰናል ቅድመ ሐዚ ምስ ሊዲስ ኣብ ዝገበሮም ሓሙሽተ ፀወታታት ኩሎም ብዓወት ዝዛዘመ እንትኸውን ፅባሕ ሰዓት 1፡30 ዝግበር እውን ክስዕር ኢዩ ዝብል ልዑል ቅድመ ግምት ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ቦርንማውዝ ምስ ዎልቭስ፣ ብሬንትፎርድ ምስ ኣስቶን ቪላ፣ ሰንደርላንድ ምስ በርንሌይ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 11፡00 ፀወቶኦም ከካይዱ ኢዮም።
ነቲ ሊግ ብስዕረት ዝጀመረ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰንበት ምሸት ሰዓት 12:30 ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ።
ክሪስታል ፓላስ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ኤቨርተን ምስ ብራይተን ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ፀወቶኦም ከምዛካይዱ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕብር።
መርሃ ግብሪ መበል ካልኣይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፥ ሰኑይ ምሸት 4:00 ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል ብዝገብርዎ ፀወታ ክዛዘም ኢዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!