Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ፕሪምየር ሊግ ኢንግሊዝ 5 ፀወታታት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 5 ፀወታታት ክካየድ እዩ።

ትማሊ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ፈላማይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ቀፂሉ ሰዓት 8 ን 30ን ኣስቶንቪላ ምስ ኒውካስትል ክጋጠማ እየን፡፡

ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ሊግ ድኹም ብንቅስቃሳት ዝነበራ ቶተንሃም 11 ሰዓት ሎሚ ናብታ ሊግ ዝዓበየ በርንለይ እንትራኸባ፣ ብራይተን ምስ ፉልሃም፣ ሳንደርላንድ ምስ ዌስትሃም ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክጋጠማ እየን።

ምሸት ሰዓት 1፡30 ድማ ወልቭስ ምስ ፔፕ ጋርድዮላ ማንቸስተር ሲቲ ክትገጥም ትፅቢት ይግበር።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ሊግ ፀወታ ሊቨርፑል ንቦርንማውዝ 4 ብ 2 ስዒራታ።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.