ሐዚ ዘሎ ዕድል ካብ እነበላሹ ብምትሕብባር እንተሰሪሕና ናይናን ደቅናን ፅባሕ ዝማዕረገ ይኸውን-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሐዚ ዘሎ ዕድል ካብ እነበላሹ ብምትሕብባር እንተሰሪሕና ናይናን ደቅናን ፅባሕ ዝማዕረገ ይኸውን ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል መሪቖም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዜጋታት ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካሊእ ከባቢ ተንቀሳቒሶም ናይ ሃገሮም ልምዓት ምርኣይን ምሕጋዝን ንክኽእሉ ሰላም የድሊ ኢሎም።
ንኣብነት ካብ ጎንደር ናብ ጎርጎራ ንምኻድ ጎንደሬታት ብወተሃደር ተሓሊዮም ከመይ ገይሩ ልምዓት ክስራሕ ይኽእል ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።
ካብ’ቶም ከባቢታት ዝወፅኡ ኣሕዋትና ጊዘ ከይወሰዱ ተመሊሶም ብምትሕብባርን ሓድነትን ሃገር ምልማዕን ምስራሕን እንተዘተከሉሩ ክብሉ ምዒዶም።
ሎሚ ጎንደር፣ ባህርዳር ወይ ኣምሓራ ክልል ካብ ኣምሓራ ወፃእ ማንም ኣይእዝዞን ብምባል፥ ንሕና እንትፍቀደልና ከም ዕድል ወሲድና ካብ ምሕጋዝ ወፃእ ኣብ ዕለታዊ ዛዕባታትን ስራሕቲን ውሽጢ ኢድና ኣይነእቱን ኢሎም።
እዚ ዕድል ኣብ ኢትዮጵያ ኣይነበረን፤ ሐዚ ካብ እነበላሽዮ ብምትሕብባር እንተሰራሕና ናይናን ደቅናን ፅባሕ ዝማዕረገ ይኸውን ክብሉ ገሊፆም።
ስለዝኾነ በምትሕብባር ዳግማይ ባሕርዳር፣ ጎንደር፣ ኣምሓራ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ነክውለዳ ብምውዳድ መስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ