Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ፅርይቲን ዝሓሸት ኢትዮጵያን ንምህናፅ ይሕግዝ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅርይቲን ዝሓሸት ኢትዮጵያን ንምህናፅ ይሕግዝ ኣሎ ኢለን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ለሊሴ ነሜ (ኢ/ር)።

እቲ በዓል መዚ ምስ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ሸገር ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ።

ለሊሴ ነሜ (ኢ/ር)፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ብመርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ንዝካየዱ ስራሕቲ ጠንካራ መሰረት ኣንቢሮም ኢዮም ኢለን።

ብፍላይ ምሽርሻር ሓመት ኣብ ምክልኻልን ፍልፍል ንክጉልብቱ ኣብ ምግባርን ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ይሕግዝ ከምዘሎ እተን ዳይሬክተር ኣብሪሀን።

ዝዓረቐ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሊሱ ንክልምልም ምስ ምግባር ጎድኒ ንጎድኒ ፅሩይን ጥዕና ዘለዎን ከባቢ ንቐፃሊ ትውልዲ ንምምሕልላፍ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ኣረዲአን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.