ሓበራዊ ሃገራዊ ተረኽ ንምህናፅ ሚዲያ ተዋዲዱ ምስራሕ ወሳኒ ኢዩ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበራዊ ሃገራዊ ተረኽ ንምህናፅ ሚዲያ ተዋዲዱ ምስራሕ ወሳኒ ግደ ኣለዎ ኢሎም ሓላፊ ዘፈር ዓለም ለኸን ርክብ ህዝቢን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፡፡
ዘፈር ዓለም ለኸን ርክብ ህዝቢን ፓርቲ ብልፅግና ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢ ትካላት ፌደራል ይዛተ ኣሎ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ከባቢያዊን ኣናእሽተይ ነፃፀልቲ ተረኻት ንምፍታሕ ተዋዲድከካ ምስራሕ ይግባእ።
ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ተረኽን ንምሽስራፅ ሚዲያታት ምስራሕ፣ ዝተሰርሑ ደጋጊምካ ምግላፅን ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃም ትኽክለኛ ሃገራዊ ሓበሬታታት ምግዋሕ ከምዝግባአ ኣገንዚቦም።
ሃገር ንምፍራስ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ ዘጋውሑ ናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን ሚዲያታት ጥቡቕ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!