Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ተረባሕነት ህዝብታት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ንምጥንኻር ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ-ካርላ ባርኔት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበራዊ ተረባሕነት ህዝብታት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ንምጥንኻር ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢለን ዋና ፀሓፊት ሃገራት ካሪባን ካርላ ባርኔት።

መበል ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ካሪቢያንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ካርላ ባርኔት ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ካሪቢያን ክብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብተወሳኺ ብዙሓት ሓደ ዝገብሩ ዝምድናታት ከምዘለዎም ኣዘኻኺረን።

እዚ ኩለ መዳይ ዝምድና ብዝበለፀ ምጥንኻርን ሓበራዊ ተረባሕነት ምስራፅን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።

ነዚ እውን ስርዓት ሓበራዊ ቪዛ ምድላውን ብነፃነት ዜጋታት ዝንቀሳቐስሉ ኩነታት ምፍጣርን ይግባእ ኢለን።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተጀመረ ሓበራዊ ምትሕብባር ማዕቐፍ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምቕፃል ከምዘድሊ ኣገንዚበን።

ብኣሸብር ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.