ሓበራዊ ኣሰር ኢትዮጵያዊያን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብደለል ንከይመልእ—
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበራዊ ኣሰር ኢትዮጵያዊያን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብደለል ንከይመልእ ብዝተዋደደ ኣገባብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ስራሕቲ ለምዓት ተፋሰስን ይካየድ ኣሎ ኢሉ ቢሮ ግብርና ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ።
ዳይሬክተር ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣጠቓቕማን ፈቃዱ ደሳለኝ፥ እቲ ግድብ ኣብ ዘዋስነን ወረዳታት ንማሕበረሰብ ብምስታፍ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰሰን ዕቀባ ሓመደን ማይን ይካየድ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ብዝተፈላለዩ ቴክኒሎጂታት ብምጥቃምን ፈልሲ ብልሓት ስነ ሂወታዊያንን እናተተኸሉ ከመዝኾነ ሓቢሮም።
ንኣብነት ኣብ 2016/17 መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ግድብ ኣብ ዘዋስነን ወረዳታት 44 ሚሊየንን 51 ሺሕን 173 ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ኣብ 22 ሺሕን 263 ሄክታር ምትካሎም ተዛሪቦም።
ዝተተኸሉ ፈልሲታት ዓይነት፣ ንልምዓት ደኒ፣ ኣገልግሎት ጥምር ሕርሻ ደኒ፣ ንምክልኻል ምሽርሻር ሓመድ፣ ነምግብነት ዝውዕሉ ፍራምረ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ተኸላ ፈልሲ ልዕሊ 595 ሺሕን 780 ክፋላት ማሕበረሰብ ምስታፎም ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ብዮሐንስ ደርበው