ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዘኽእሉ ፕላትፎርምታት ተሓንፂፆም ናብ ስራሕ ኣቲዮም – ማኒስቴር ሰላም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከፋፈልቲ ያታታት ብምውጋድ ሓበራዊ ያታታት ንምህናፅ ዘኽእሉ ፕላትፎርምታት ተሓንፂፆም ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢሉ ማኒስቴር ሰላም።
“ማሕበረሰብ ትምህርቲ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሓላፊ ዴስክ ህንፀት ሰላም ኣይተ ወንድወሰን መኮንን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ እትምረሐሉ ረቂቕ ፖሊሲ ሰላም ካብ ምስንዳእ ጀሚሩ ሓበራዊ ያታ ከጉልሁ ዝኽእሉ ኣማራፂታት ተዘርጊሖም።
ንስራሕቲ ህንፀት ሰላም ፍሉይ ትኹረት ከምዝተውሃበ ብምሕባር÷ ኣብ ቀዳማይን 2ይን ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ውዳበ ሰላም ብምሕንፃፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፎረማት ሰላም ብምውዳብ ተምሃሮ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ንኽርድኡን ንህንፀት ሰላም ዘለዎም ግደ ክዋፅኡን እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
100 ሺሕ ዝኾኑ ወለንታውያን መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ኣገልግሎት ወለንታ ንመሃብ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ከምዝተዋፈሩ ኣብሪሆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ብብርኪ ሃገር ሰላም ንምፅናዕ ግደ ትካላት ትምህርቲ ዕዙዝ ስለዝኾነ ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግባእ እቶም ሓላፊ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!