ሓኻይም ሰብ ንምድሓን፤ ንሕና ኢትዮጵያ ንምድሓን ኢና ንሰርሕ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓኻይም ሰብ ንምድሓን፤ ንሕና ኢትዮጵያ ንምድሓን ንሰርሕ ስለዝኾንና ሓቢርና ጠጠው ክንብል ኣለና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ሰብ ሞያ ጥዕና ምስ መንግስቲ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ሰብ ሞያ ጥዕና ሕሙም ካብ ምሕካም ሓሊፉ መንግስቲ ዝውግኖም ተግባራት ልምዓት ንጥዕና ዘለዎም ረብሓ ኣብ ምግንዛብ ሕብረተሰብ ናይ ንንቃሕ ስራሕቲ ክሰርሑ ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም፡፡
ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ዘልዐሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሓኻይም ዘሎ ተስፋ ሰብ ምሕካም ጥራሕ ዘይኮነስ ምንቃሕ እውን ኢዩ ኢሎም፡፡
ተኽሊ እንትትከል፣ ስራሕቲ ምውቃብን ምንፃህን ከባቢ እንትስርሑ ሕቶ ንዘልዕሉ ሰባት ንጥዕና ዘለዎም ረብሓ ግንዛበ ምፍጣር ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም፡፡
ሓኻይም መሃያን ክማልኡሎም ዝደልዩዎም ሕቶታት ብዝሓቱዎ መጠን ሕብረተሰብ ኣብ ምንቃሕን ፖሊሲታት ኣብ ምግንዛብን ንመንግስቲ ክሕግዙ ከምዝግባእ ኣልዒሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ናይ ምብራኽ ዓመት ክሖነላ ኢዩ ዝተብሃለ ኣበሃህላ ኣይኮነን፥ ግድብ ህዳሰ ካብ ምዝዛም ንላዕሊ ምብራኽ የለን፤ እዚ ድማ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡
እንተበዝሐ ኣብ ዝቕፅሉ 15 ን 20 ዓመታት ኣብ ኣፍሪካ ናይ ኩሉ ነገር ኣብነት ዝኾነት ሃገር ከምትኸውን ዘተሓታትት ኣይኮነን ኢሎም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!