ሓይሊ ኒውክሌር ንኩለመዳያዊ ጉዕዞ ምዕባለ ዝድግፍ ኢዩ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኒውክሌር ንኩለመዳያዊ ጉዕዞ ምዕባለ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፡፡
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፁዎ÷ ሓይሊ ኒውክሌር ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዘሎ ምንቅስቓስ ንምቅልጣፍ ዓቕሚ ዝህብ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ሓይሊ ኒውክሌር እትጥቀም ንሰላማዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ብልፅግና ብዝበለፀ ክብ ንምባል ዝጠቅም ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ቀረብ ሓይሊ ዘጋጥም ፀገም ኢኮኖሚን ጠለብ ዕቤትን ንምዕዋት ሓይሊ ኒውክሌር ተወሳኺ ሞተር ልምዓት ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡
ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሓይሊ ንምህናፅ ኒውክሌር ከም ኣማራፂ ከምዝወሰደት ዝሓበሩ ቢቂላ (ዶ/ር)÷ ፀጋታት እታ ሃገር ተጠቒምካ ምዕባይን ምልዋጥን ብምሕሳብ ዝተጀመረ እዚ ፕሮግራም ብሕፅረት ሓይሊ ዝዕፀዉ ኢንዱስትሪታት ከምዘድሕን ገሊፆም፡፡
ፕሮግራም ኒውክሌር ኢትዮጵያዊያን ካብ ድኽነት ብምውፃእ ዕዉት ኩለመዳይ ምዕባለ ከምዘረጋግፁ መርአያ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ፕሮግራም ሓይሊ ኒውክሌር ንኢትዮጵያዊያን ዘተኣኻኽብን ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝግበር ጉዕዞ ዝድግፍ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣማራፂ ሓይሊ ብምስፋሕ ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምቅልጣፍ ኩለመዳይ ስራሕቲ እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ሓቢሮም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
 
			 
				