ሓይሊ ኣየር ብዝወገኖም ተግባራት ሪፎርም ኣብ ርኡይ መገዲ ለውጢ ይርከብ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብዝወገኖም ተግባራት ሪፎርም ኣብ ርኡይ መገዲ ለውጢ ይርከብ ኢሎም።
እቲ ሓይሊ ኣየር ንሰለስተ ዓመታት ዝሰልጠኑ ኣብረርቲ፣ ሕፁያት መኮንናትን ቴክኒሻናትን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሓይሊ ኣየር በቢዘበኑ ዝሽረቡ ናይ ፀላኢ ሽርሒታት እናፈሸለ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ትካል ኣንፈታት መፍትሒ ኣቐሚቐቱ ብዝወገኖም ተግባራት ሪፎርም ብዓወት ተዓጂቡ መበል 90 ዓመቱ ከምዘኽበረ ብምሕባር፤ እቲ ክብረ በዓል ዘርየና ሓቂታት ተወዳዳሪ ኣቪዬሽን ምህናፅ ምኽኣልና ኣረጋጊፁልና ክብሉ ሓቢሮም፡፡
እቲ ሓይሊ ኣየር ብዝወገኖም ተግባራት ሪፎርም ኣብ ርኡይ መገዲ ለውጢ ይርከብ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ብግደኦም፤ እቲ ትካል ዝተውሃቦ ልኡኽቶ መሰረት ብምግባር ኣብ መሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ሰብን ንባዕሉ እናብቀዐ ከምዝፀንሐ ኣረጋጊፆም።
ናይ ሎሚ መዓልቲ ተመረቕቲ ድሉውነት እቲ ትካል ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግሩ ኢዮም ብምባል ገሊፆም።
ዓውዲ ኲናት ዓለም ተለዋዋጢ፣ ንሕንሕን ቅልጡፍን ዕቤት ከምዝረኣየሉ ብምሕባር፤ እቲ ሃዋህው ኲናት ካብ ነፀላ ውግእ ናብ ኩለመዳይ ኲናት ተሰጋጊሩ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ትካል ጎድና ጎድኒ ስልጠና ኣካዳሚን በረራን ንሃገሮምን ትካሎምን ዝእመኑ ክኾኑ ገይርካ ብምህናፅን ብምብቃዕን እናመረቐ ምፅንሑ ኣመልኪቶም፡፡
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!