ሓደሽቲ ኣፅዋራት ኲናት ቻይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጦር ቻይና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘቕረበቶ ወታደራዊ ምርኢት ሓደሽቲ ኣፅዋራት ኲናት ዕላዊ ገይሮም።
መበል 80 ዓመት በዓል ዓወት ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ምርኢታት እናተኸበረ ይርከብ።
ኣብቲ ምርኢት ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ፣ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ሓዊሱ መራሕቲ 26 ሃገራትን ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ተረኺቦም።
መራሕቲ ቻይና፣ ሩሲያን ሰሜን ኮሪያን ኣብ ሓደ መድረኽ እንትራኸቡ እዚ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ወታደራዊ ምርኢት ቻይና ሓደሽቲ ናይ ኑክሌር ባላስቲክ ሚሳኤላት፣ ኣብ ውሽጢ ማያዊ ኣካላት ዝንቀሳቐሱ ዓበይቲ ድሮናትን ካልኦት ወታደራዊ መሳርሒታትን ዕላዊ ገይራ፡፡
ዲኤፍ -5ሲ፣ ዲኤፍ-26ዲ፣ ዲኤፍ-61 ሚሳኤላት ክኡ እውን ጥንር ነዳዲ ተጠቀምቲ ሃገር ዘቋርፁ ባላስቲክ ሚሳኤላት ኣብቲ ወታደራዊ ምርኢት ዝቐረቡ ሓደሽቲ ጦር መሳርሒታት ኢዮም፡፡
ፕሬዚዳንት ሺ ኣብ እዋን እቲ ስነ ስርዓት ሃገሮም ብጉልበተኛታት ሸብረኽ ዘይትብን ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይትብዳህ ከምዝኾነት ምግላፆም ኣር ቲን ቢቢሲ ፀብፂቦም፡፡
ቻይና ኣብዚ ሰሙን ፎረም ምትሕብባር ሻንጋይን መድረኽ ምሕደራ ኢኒሼቲቭ ዓለምን ከምዘተኣናገደት ይፍለጥ።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!