Fana: At a Speed of Life!

ሓደሽቲ ፋብሪካታት ስሚንቶ ናብ ስራሕ ምእታወን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ስሚንቶ ናብ ስራሕ ምእታወን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተሃነፀ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ማኑፋክቸሪንግ ሲሚንቶ ፓዮኔር ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር መሪቖም።

ብሽርክና ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተሃነፀ እቲ ፋብሪካ ንምዕባለ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ሽርክና ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲን ሽግግር ፍልጠትን ፍሰት ሰብ ካፒታልን ከምኡውን ፍሪያት ምርግጋፅ ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቅድመ ሐዚ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘድልዮ እታዎት ንምርካብ ሕልኽላኽ መገዲታት ይሓትት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ስሚንቶ ናብ ስራሕ ምእታወን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.