Fana: At a Speed of Life!

ሓደገኛ ኬሚካላት ብጥንቃቐ ንምውጋድ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣብ ጎስጓስ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ሓደገኛ ኬሚካላት ብግቡእን ብጥንቃቐን ንምውጋድ ብትኹረት ክዝስራሕ ኢዩ ኢሉ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ለሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ከምዝበለኦ÷ ሓደገኛ ኬሚካላት ናይ ኣገልግሎት ግዘኦም እብትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ሰብ፣ እንስሳትን ከባቢን ጉድኣት እንተየብፅሑ ብጥንቃቐ ምውጋድ ይግባእ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ዳህሳስ መፅናዕቲ ክዙን ሓደገኛ ኬሚካላት ከምዝተኻደ እተን ዋና ዳይሬክተር ንፋና ዲጂታል ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ይነት እቲ ኬሚካል፣ ዝርከበሉ ቦታ፣ ዝፀንሐሉ ግዘን ብኸመይ ክውገድ ከምዘለዎን ዝብሉ ነጥቢታት ከምዝተፈለዩ ኣብሪሀን፡፡

ፀብፃባት ሓደገኛ ኬሚካላት ይወገዱልና እንትመፅኡ እቲ በዓል መዚ ብሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ እናተሓገዘ ኣድላዪ ድጋፍ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣልዒለን፡፡

ብካሊእ መዳይ ብሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ከተማታት ኣዳማ፣ ሃዋሳን ጅማን ዝተሃነፁ ማእኸላት ሓደገኛ ኬሚካላት ናይ ምውጋድ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ኣመልኪተን፡፡

ኣብ ጎስጓስ ንፅህቲ ኢትዮጵያ እዚ ዓመት እውን ሓደገኛ ኬሚካላት ብግቡእን ብጥንቃቐን ንምውጋድ ምሰ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝስራሕ ኣፅንኦት ሂበን፡፡

ብምዃኑ ድማ ናይ ኣገልግሎት ግዘ ዝሓለፎም ኬሚካላት ዝኸዘኑ ትካላት ኣብቲ ጎስጓስ ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቅሪበን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.