ሓደጋታት ብርእሰ ዓቕሚ ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዘደልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ 86 ሚኢታዊ ንኽንኪ ምግባሩ ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለ ማርያም (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ 2018 ዓ.ም ኣብታ ሃገር ዝበፅሑ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰራሕ ሓደጋታት ብርእሰ ዓቕሚ ምላሽ ንምሃብ ይሰርሕ ኣሎ።
ከም ሃገር ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሕን ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ 500 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ክዙን እኽሊ የድሊ እዩ ኢሎም፡፡
ከምኡውን እቲ ኮሚሽን መዓልታዊ ዕቑር ምግቢ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ክዙን ንኽህሉ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ካብ ቀውዒ ዝእከብ ፍርያት 20 ሚሊየን ኩንታል ህፁፅ ንሓደጋ እዋን ዘድልዩ እኽሊ ናብ መኽዝን ይኣትው ኢሎም፡፡
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም