ሓደ ሰብ ናብ ታሪክ ምልስ ኢሉ ክርኢ ዘለዎ ንትምህርቲ ጥራሕ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ታሪክ ዘለና ተፃብኦ ንቕድሚት ንከይንስጉም ሓሊኹና፤ ሓደ ሰብ ናብ ታሪክ ምልስ ኢሉ ክርኢ ዘለዎ ንትምህርቲ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ኡመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓታት ዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መኣዲ ዘተ፥ በዓቲ ሶፍ ኡመር ንፈለማ እዋን ኣብ ዝረኣይሉ እዚ ዝመስል ሃፍቲ እናሎ ምዝሕሓል ንምንታይ ዝብል ኒሕ ከምዝፈጠረሎም ብምዝካር ከምዝተናደዱን ከምዝሓዘኑን ኣዘኻኺሮም።
በዓቲ ሶፍ ኡመር ንውሓቱ፣ ዕምቆት ኣርክቴክቸሩ፣ በዝሒ ኣእማንን ኣብ ውሽጡ ዘለዉን ዘይለዉን ነገራት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
መንግስቲ ነዚ ዓይነት በዓቲ ባጀት ሰሊዑ ንምስራሕ እንተተሓሲቡ ብዙሕ እዋንን ልዑል ወፃኢን ከምዝሓትት እውን ሓቢሮም።
ንሕቲ ምስ ድሕሪት ዘለና ተፃብኦ ንቕድሚን ንከይንስጉም ሓሊኹ ሒዙና ኢዩ ብምባል፥ ሓደ ሰብ ናብ ታሪክ ምልስ ኢሉ ክርኢ ዘለዎ ንትምህርቲ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ካብዚ ወፃእ ዝሓለፈ ጎንፂን ኣብ ትማሊ ምንባርን ሎሚ ንከይንሰርሕ ፅባሕ ኣርሒቕና ንከይንርእይ ዝገብር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ምስ ታሪክ ኣይንፃባእ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ በዓቲ ሶፍ ኡመር ዝተጀመረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ቅድሚ ጎንፂ ሓውልቲ ኣኽሱም ንምፅጋንን ንምጥንካርን ስራሕቲ ተጀሚሮም ከምዝነበሩን ኣብ ላሊበላ ድማ ስራሕ ከምዝተጀመረን ገሊፆም።
ቤተ መንግስቲ ፋሲል ናብ ዝነበሮ ወይ ካብኡ ናብ ዝሓሸ ወቂቡ ንክስራሕ ከምዝተገበረን በዓቲ ሶፍ ኡመር እውን ናይዚ ካሊእ ምሳለ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት