ሕማማት መንሽሮ ንምክልኻልን ንምሕካምን ስራሕቲ ምጉልባት ዓቕሚ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ዝተፈላለዩ ሕማማት መንሽሮ ንምክልኻልን ንምሕካምን መስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ስራሕቲ ምጉልባት ዓቕሚ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ዴስክ መክልኻለን ምቁፅፃርን ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማትን ጥዕና ኣእምሮን ዶክተር ሰላማዊት ኣየለ፥ ምስ ዝተፈላለያ ሆስፒታል ዩንቨርስታት ብምትሕብባር ዘበናዊ ሕክምና ጨረር መንሽሮ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ሆስፒታላት ዩንቨርስቲ መቐለ፣ ጅማ፣ ሃዋሳ፣ ጥቁር ኣንበሳ፣ ቅዱስ ጳውሎስ፣ ሃሮማያን ጎንደርን መምሃሪ ሆስፒታላት ከምዝኾና አወን ተዛሪበነ።
ኣብተን ሆስፒታላት ሕክምና ጨረር መንሽሮ ንምስፋሕ ዘኽእሉ ህንፀትን ተኸላ ማሽንን ብምዝዛም ኣርባዕቲአን ትካላት ኣብ ስራሕ ከምዘለዋ ፋና ዲጂታል ኣረጋጊፁ።
ብዮሐንስ ደርበው