ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዘለዋ ልዑል ኣፈፃፅማ ንኢዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቡራት መንግስታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ዘለዎ ልዑል ብቕዓትን ፅቡቕ ኣፈፃፅማን ንኢዱ፡፡
ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብ ሕራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዝኾኑ ማርሴል ኣክፖቮ ተዛቲየን፡፡
ማርሴል ኣክፖቮ ኣብቲ እዋን÷ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ዘለዎ ልዑል ብቕዓትን ፅቡቕ ኣፈፃፅማን ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ንምዝማን እናወገነቶ ትርከብ ስራሕ ንኻልኦት ሃገራት ኣርኣያ ከምዝኸውን እውን ኣልዒሎም፡፡
ምስ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ብቕርበት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ዓውዲ ንዝውጉ ካልኦት ተግባራት ኩለመዳይ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡
ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ምስ ኢትዮጵያ ብቕርበት እናወገኖ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ኢዩ ኢለን፡፡
ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ድሌት ከምዘለዋ ምግላፀን ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!