ሕብረተሰብ ብዲጂታል ኣማራፂታት ብምጥቃም ዕድጊት ክፍፀም ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ማእኸላት ዕፋጋን ዲጂታል ኣማራፂ ዕድጊትን ብምጥቃም ኣድላዪ ንዘይኮነ ወፃኢ እንተይተቓለዐ ዕድጊት ክፍፅም ከምዝግባእ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌን (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ከይዲ ዕድጊት ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ህብረተሰብ ኣብ ቅነ በዓል ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ብምምርኳስ ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ኣማራፂታት ማእኸላት ዕዳጋ ብምጥቃም ክተዓዳደግ ይኽእል።
ዲጂታል ኣማራፂታት ብምጥቃም ዕድጊት ምፍፃም ዝከኣለሉ ምቹው ኩነታት ብምፍጣሩ ሕብረተሰብ ዲጂታል ዕድጊት ንኽጥቀም እውን ኣገንዚቦም።
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!