Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ብዲጂታል ኣማራፂታት ብምጥቃም ዕድጊት ክፍፀም ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ማእኸላት ዕፋጋን ዲጂታል ኣማራፂ ዕድጊትን ብምጥቃም ኣድላዪ ንዘይኮነ ወፃኢ እንተይተቓለዐ ዕድጊት ክፍፅም ከምዝግባእ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌን (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ከይዲ ዕድጊት ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ህብረተሰብ ኣብ ቅነ በዓል ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ብምምርኳስ ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ኣማራፂታት ማእኸላት ዕዳጋ ብምጥቃም ክተዓዳደግ ይኽእል።

ዲጂታል ኣማራፂታት ብምጥቃም ዕድጊት ምፍፃም ዝከኣለሉ ምቹው ኩነታት ብምፍጣሩ ሕብረተሰብ ዲጂታል ዕድጊት ንኽጥቀም እውን ኣገንዚቦም።

ብየሻምበል ምህረት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.