Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝተነበረ ማዕቐብ ኢኮኖሚ ከልዕሎ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር መራሒ ሶሪያ በሽር ኣል ኣሳድ ካብ መንበረ ስልጣኖም ምልዓሎም ስዒቡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝተነበረ ልዑል ማዕቐብ ኢኮኖሚ ንምልዓል ከምዝተስማዕመዐ ተገሊፁ።

ብ27 ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት እቲ ማሕበር ዝፀደቐ እቲ ውሳነ፥ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሐብረት ኣውሮፓ ፀዲቑ ዕላዊ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝተነበረ ማዕቐብ ንምቅላል ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶ ስጉምቲን ውሳነ እቲ ሕብረትን ኣብ ሶሪያ ምርግጋዕ ፋይናንስን ዳግመ ሀንፀትን ንምድጋፍ ሓገዝ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ኣብ 2012ን 2013ን ዓ.ም.ፈ ኣብ ልዕሊ ዓውዲታት ባንኪ፣ ትራንስፖርትን ኢነርጂን ሶሪያ ዘነፃፀሩ ማዕቐባት ምንባሮም ይዝከር።

ስለዝኾነ እቲ ሓዱሽ ስምምዕነት ብሰንኪ እቲ ማዕቐብ ዘጋጠሙ ፀቕጥታትን ፈተናታትን ዝፈትሕ ውሳነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣንፃሩ ገደባት ኣፅዋራት ኲናትን ካልኦት ማዕቐባትን ብዘለውዎ ከምዝቕፅሉ ምግላፁ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.