Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪታት እናወገነ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሃሙድ ኣሊ ዩሱፍ ኣብ ዝሓፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እቲ ሕብረት  ዝሰርሖም ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣንፈታት ትኹረትን ሸቶታትን እቲ ትካል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ጎንፂታት ብዝርርብ ንኽፍትሑ ፃሪ እናገበረ ምፅንሑ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ሰላምን ድሕንነትን ሶማሊያ ንምርግጋፅ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሃሙድን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን ኣብ ሶማሊያ ምስ ዝተዋፈረ ልኡኽ ድጋፍን ምርግጋእን ሶማሊያ ሕብረት ኣፍሪካ (ኣውሶም) ምይይጥ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ምክትሎም ሪክ ማቻርን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ እቲ ሕብረት ኣብ ጁባ ብምርካብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሐቲ ቅድም ክብል ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ስምምዕነት ተፈፃሚ ክኸውን ከምዝሓተተ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሱዳን እውን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝጋጥም ጉድኣት ንምንካይን ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምህዳእን ፃዕሪ ሰላም እናተገበረ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዕጡቕ ኤም 23 ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ሩዋንዳን ኮንጎን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንኽሃድእ እቲ ሕብረት ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝዘተየ ገሊፆም።

ካብ ስራሕቲ ሰላምን ፀፅታን ብተወሳኺ እቲ ሕብረት ዞባዊ ኢኒሼቲቫት ንምጥንኻር ምስ ኢጋድ፣ ሳድክ፣ ኢኮዋስን ኮሜሳን ምስ ዝበሉ ዞባዊ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.