ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኣበርክቶ ኪነ ጥበብ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኣበርክቶ ኪነ ጥበብ ምጉልባት የድሊ ክብላ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርት ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ ተዛሪበን።
ኪን ኢትዮጵያ – ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ ዝተሰነየ መርሃ ግብሪ ምፍናው ጉዕዞ ጥበብ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡ እውን ኣምባሳደራትን ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርት ሸዊት ሻንካ ጥበብ፣ ባህሊን ቋንቋን ኢትዮጵያ ብምልማዕን ብምፍላጥን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሀን፡፡
ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝደመቐት ኢትዮጵያ ኣግሊህኻ ኣብ ምግላፅ ጥበብ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር የድሊ ኢሎን።
ሰፊሕ ባህሊ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ተመሳሰልቲ መርሃ ግብሪታት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት መተኣኻኸቢ ያታ እውን ዘይትካእ ግደ ከምዝፃወት ኣመልኪተን።
ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረ ሰባት ባህሊን ጥበብን ዘርኢ ጉዕዞ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝካየድ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ምስሊ ሃገር ዘፋልጥ ተግባር ከምዝውገን ሓቢረን።
ብሄኖክ ሃይሉ