Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ቅብጠት ዘይኮነስ ምስ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ ናይ ምትዕራቕ ጉዳይ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ቅብጠት ዘይኮነስ ምስ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ ናይ ምትዕራቕ ጉዳይ ኢዩ ኢሉ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ፡፡

ምትእስሳር ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ግደ ክልል ዓፋር ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሰመራ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዝሰኣንናዮ በሪ ባሕሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጥቢቕና ምድላይና ርእስና ክከውን ምድላይ፤ ካብ ውልቀ ታሪኽን መንነትን ዕርቂ ናይ ምፍፃም ጉዳይ ኢዩ፡፡

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ብሕጊ፣ ብተፈጥሮን ጂኦፖለቲካዊ ሓቂን ዝግበኣ ቦታ ናይ ምርካብ ከምኡ እውን ትፅቢት ዝግበረላ ጂኦፖለቲካዊ ግደ ዝመፅአሉ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ‎መሃመድ ኡስማን ብግደኦም÷ ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ልዑል ፃዕሪ ረብሑኡ ነቲ ዞባ እውን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ገንኢ ማይ ዝኾነት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካባ ጉዳይ ንፅባሕ ዝበሃል ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም፡፡

ብኣመለወርቅ መኳንንት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.