ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ ኢሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ሚኒስትር ምስ ኣቦ ወንበር ፓርላማ ቱርክሜኒስታን (ሜጅሊስ) ዱንያጎዘል ጉልማኖቫ ኣብ ጉዳይ ምትሕብባር በሪ ባሕሪ ዘትዮም፡፡
ኣብ እዋን ዘተኦም ዞባዊ ምትእስሳር ርክብ ፓርላማ ብምጥቃም በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ከስዕቦም ዝኽእል ከቢድ ልምዓታዊ ብድሆታት ምስዓር ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ተመያይጦም፡፡
ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
እቲ ሕቶ ብሰላማዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ሕጋውን መሰረት ኣብ ዝበሎም ዝምራሕ መፍትሒ ዞባዊ ምዕባለ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓለም ንምክልኻል ባዕላ ዘበርከተቶ ኣበርክቶ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
መቀመጢኦም ኣብ ፓኪስታን ዝገበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ፍሉይ ልኡኽን ኣብ ቱርከሜኒስታን ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ብሰላምን ዲፕሎማስያውን መልክዑ ክትቕፅል እያ ኢሎም።
ኩሎም ወገናት ብስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ዝተመስረተ ርክብ ኣብ መንጎ ፓርላማ ብምምስራት ኣብ ስምምዕነት ምብፅሖም እቲ ኤምባሲ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!