Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኢዩ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳን ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ንመናእሰይ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ብኩሉ ዓውዲ ዘለዉ ዓሞቕቲ ዓቕሚታት ብምጥቃም ኣብ ልምዓት ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ተስፋ መናእሰይ ኣብ ዘለምልሙን ዘበረታትዑን ስራሕቲ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ንኣብነት ድማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሌትን ረብሓን መናእሰይ ማእኸል ብምግባር ናይ ሎሚን ፅባሕን ትውልዲ መፃኢ ዕድል ንምውቃብ ተሓሲቡ ዝተሓንፀፀ ኢዩ ኢለን፡፡

ልምዓት ኮሪደር ምስሊ ከተማታት ካብ ምልዋጥን መስሕብ ቱሪስት ካብ ምስፋሕን ሓሊፉ ንመናእሰይ መዘውተሪ ስፖርት ቦታ ንምስፋሕ ዕዙዝ ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ክህልዋ ይግባእ ዝብል ሕቶ እውን ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ብዋናኡ ድማ ድሌት መንእሰይ ማእኸል ብምግባር ዝተልዓለ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መገዲ ኢፍትሃዊ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ጉዳይ ዝተፈጠረ ግንዛቤ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

ሕቶ በሪ ባሕሪ ዕዉት ንኽኸውን ድማ መናእሰይ እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣገንዚቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.