Fana: At a Speed of Life!

ሕድሕድ ዕላማ ዓወት ብርኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕድሕድ ዕላማ ዓወት ተደሚሩ ብርኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መዳበርያ ዩርያን መፃረዪ ነዳዲ ጎዴን ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዩ እዙይ ዝበሉ።
ሎሚ ውሽጢ ኣብ ዘይመልአ ዘነቃቕሕን ንብልፅግና ኢትዮጵያ ዓብዩ መሰረት ዘንበሩ ስራሕቲ ምጅማሩ ብምግላፅ፤ ነዚ ስራሕ ከም ምልክት ዓወትናን ትንሳኤ ብራኸናን መእሰሪ ገይርና ክንወስዶ ኢና ኢሎም።
ሕድሕድ ዕላማ ዓወት ስዒቡ ብራኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ስለዝኾነ ብምኳኑ ንመላእ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ናይ እንዃዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
2017ን 2018ን ንኢትዮጵያ ከም 100 ዓመት ዓብዪ እዋን ምምፅኡ ብምግላፅ ኣብዚ እዋናት ወጋሕታ ህዳሰ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ዓብዩ ፕሮጀክት ኢነርጂ ምምራቑ ኣዘኻኺሮም።
ሓደ ወርሒ ኣብዘይመልአ ድማ ናብ 10 ቢሊየን ዝፅጋዕ ኢንቨስትመንት ፕሮጀክታት ተመሪቆም ምጅማሮም ተዛሪቦም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.