መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ሃገርና ፓርቲታት ፖለቲካ ዘላቒ ሰላምን ባህሊ ዴሞክራሲን ንምድንፋዕ እጃሞም ኣጠናኺሮም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ፡፡
“ሰላም ኣብ ምፅናዕ ግደ ፓርቲታት ፖለቲካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ሃገር ለኸ “ኮንፈረንስ ሰላም” ሎሚ ኣጀሚርና።
ነዓና ንኢትዮጵያውያን ሰላም ማለት ልምዓት፣ ናፅነት፣ ፍትሒን ደስታን ብዘይምንም ዕንቅፋት ንምርካብ ምኽኣል ኢዩ።
ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ተፈጥሮን ሰላምና ኣስኢኖምና ፀኒሖም ኢዮም፡፡ እዞም ህድእ እንትብሉ ድማ ጎንፂ፣ ኲናትን ምምዝባልን ሰላማዊ ህይወትና ይሕምሱዎ፡፡
ክሳብ ሕዚ ንክልቲኡ ዝኸውን ወሳኒ መፍትሒ ኣየሰናዳእናን፡፡ በዚ ዝተልዓለ ድማ ክልቲኦም ተሓባቢሮም ንድኽነት ድሕረትን አሕሊፎም ሂቦምና ኢዮም፡፡ንክልቲኦም ምላሽ ዝህብ ኣካይዳ ምኽታል ናይ ለውጢ ቀንዲ ስትራቴጂ ኢዩ፡፡
ሰላም ነፅንዕ እድሕር ኢልና ክልቲኦም ጉልበተኛታት ክንኣልዮም ኣለና፡፡ ኣባይ ገሪሕና መፈልፈሊ ሓይሊ ክኸውን ከምዝተጠቐምናዮ፤ ንንፋስ ገሪሕና ንመፈልፈሊ ኤሌክትሪክ ከምዘውልናዮ፤ ጉልበት ተፈጥሮ ብምግራሕ ንልምዓትን ምዕባለን ክነውዕሎ ኣለና።
ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ክልተ ዓይነት ማሕበረሰብ ይደሊ፡፡ ዴሞክራሲያዊ ክብሪታት ዘማዕበለ ህዝቢን ዴሞክራሲያዊ ክብሪታትን ዘደንፍዑ ልሂቃን፡፡ ንሕና እውነ ከም ሓደ ልሂቅ ፖለቲካ ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ፖለቲካ ምህናፅ፤ ንክብሪ ባህሊ ኢትዮጵያውያን ዝስማዕማዕ ዴሞክራሲን ብሓባር ምሕንፃፅ ይግባእ፡፡
ፓርቲታት ንሕንሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ምትሕብባር እውን የድልዮም ኢዩ ንብል እውን ነዚ ኢዩ፡፡ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ተቐቢልኩም ንዘበርከትኩምዎ እወንታዊ ግደ በዚ ኣጋጣሚ ምስጋና የቕርብ፡፡
ሰላም ሓበራዊ ውፅኢት ስራሕ ብምዃኑ፣ ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ሃገርናን መራሕቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን፣ ሓይሊታት ፖለቲካ፤ መንግስቲ ሎሚ እውን ንሰላም ዘሎ ቆራፅነት ተረዲእኹም፤ ሰላም ንምምፃእን ንምፅናዕን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕልኹም ኣበርክቶ ንኽትገብሩ ፃውዒተይ የቕርብ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!