Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፦

ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፣ ዲጂታል ማንነት ተስፋ  ዝህብ ካብ ዝኾነ ፈጠራ ናብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መሰረታዊ ዓንዲ ተሰጋጊሩ። ድሕረ ሐዚ ኣማራፂ ዘይኮነስ ንሰባት ካብ ኣገልግሎታት፣ ማሕበረሰባት፣ ትካላትን መንግስታትን ዘራኽብ ኣገዳሲ መሰረተ ልምዓት ኢዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 እናተመራሕና ኣዝዩ ወሳኒ ውሳነ ወሲንና። እዚ ድማ ዘበናዊ፣ ሓቛፊ፣ መሰረት ዘተዎን ክሰፍሕ ዝኽእልን ዲጂታል ስርዓት ማንነት ምህናፅ ኢዩ። እዚ ንሕድሕድ ነባሪ ተበፃሒ ክኸውን ምግባር ነይሩ። እዚ ስርዓት “ፋይዳ” ኢልና ንፅውዖ። ፋይዳ ካርዲ ጥራሕ ኣይኮነን። ናይ ውልቀ ሰባት ውልቃዊ መረዳእታ ምሽጥራዊነት ብምሕላውን ኣድላዪ ዝኾነ ጥራሕ ብምክፋልን ማንነቶም ዘረጋግፅ ፍሉይ መፍለዪ ቁፅሪ ኢዩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.