መልክዓ ምድሪ ባሌ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ዘለዎ ኢዩ – ኣይተ ጁነዲን ሳዶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መልክዓ ምድሪ ዞባ ባሌ ካብ መስሕብ ቱሪዝም ሓሊፉ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ዘለዎ ኢዩ ኢሎም ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ጁነዲን ሳዶ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ዑመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ ጁነዲን ሳዶ ኣብቲ እዋን ከምዝሓበሩዎ፤ ከም በዓልቲ ሶፍ ዑመርን ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌን ዝበሉ መስሕባት ቱሪስት ዝሓዘ ዞባ ባሌ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ኣለዎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝፈጠሩዎ ምንቅስቓስ ልምዓት ዓሚቕ ዓቕሚ እቲ ከባቢ ዝገለፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ መፅናዕቲ መዓድን ብምክያድ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ብመፅናዕቲ ተደጊፉ ኣብ ረብሓ ክውዕል ብምግባር ንልምዓት ሃገር ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ነበር ኣመራርሓ ኩማ ደመቅሳ ብግደኦም፤ ኣብ ዞባ ባሌ ዝተመልከቱዎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ዝገመቱዎ ንላዕሊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ሃፍቲ ሒዝካ ድኻ ምዃን የሕፍር ኢሎም።
እዞም ተሓቢኦም ዝነበሩ ሃፍቲታት መንግስቲ ብቕልጡፍን ብፅሬትን ዘልመዐሉ መገዲ ዘገርም ከምዝነ ፀሪሖም፡፡
ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝተከበረትን ዝማዕበለትን ሃገር ምህናፅ ከምዝከኣል ዘርአዩ ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቓሳት ኢዮም ኢሎም፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!