Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ኣመዝጊቡ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበር መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ኣመዝጊቡ  ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።

ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ታዬ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ናብ መሬት ካብ ዝወርድ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዘዕግብ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተዛሪቦም።

ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ዕድመ ዘለዎ ዓውዲ ፋይናንስ እዛ ሃገር ዘድለ ምዕባለ እንተየመዝገበ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዓውዲ ዘንፀላለዉ ብድሆታት ንምስዓር ሓቓፊን እዚ ዘበን ዝጠልቦ ስርዓትን ንምፍጣር መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባሩ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ዓውዲ ፋይናንስ ሃገርና ናብ ዲጂታል ንምሽግጋር ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ብቃለኣብ ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.