መመሓየሺ ስርዓት ምሕደራ ታክስ ኣብ ከይዲ ምእካብ እቶት ግልፅነት ንኽጉልብት ኣኽኢሉ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብታ ከተማ ተግባራዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ስርዓት ምሕደራ ታክስ ኣብ ከይዲ ምእካብ እቶት ግልፅነትን ተሓታትነትን ንኽጉልብት ኣኽኢሉ ኢለን፡፡
ከንቲባታትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ከተማታት ኣፍሪካ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ መፅናዕቲ ኣፈፃፅና ንንሕዳር ፋይናንስ 6 ከተማታት ኣፍሪካ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሐሸ ውፅኢት ኣመዝጊባ።
ኣብቲ መፅናዕቲ፤ ኣዲስ ኣበባ፣ ናይሮቢ፣ ዳሬሰላም፣ ሉስካ፣ ኪጋሊን ያውንዴን ዝተሳተፋ እንትኸኾና፥ ኣዲስ ኣበባ ካብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዋና ዋና ኣመላኸትቲ ብሓሙሽቲኦም ዝሐሸ ኣታዊን ምሕደራ ሃፍቲ ፋይናንስን ክተዕውት ዝኸኣለት ከተማ ኮይና።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣተኣኻኽባ እቶት ብምጥንኻር ልዑል ምምሕያሽ ተራእዩ፡፡
እዚ ድማ ካልኦት ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ዲጂታል መመሓየሺን ሓደሽቲ ፈጠራታትን ምህዳር ፋይናንስ ከስፍሓ ከምዝኽእላ ዘመላኸተ ኢዩ ኢለን።
እታ ከተማ ከም ኩለን ከተማታት ኣፍሪካ ዘጋጥሙዋ ቅልጡፍ ወሰኽ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ልዑል ጠለብ ኣገልግሎትን ምስ ክሌማዊ ለውጢ ዝተተሓሓዙ ፀገማትን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ኣዲስ ኣበባ ስርዓት ምሕደራ ታክስ ንምልዋጥ ስራሕቲ ሪፎርም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኢየን እተን ከንቲባ ዝገለፃ፡፡
እዚ ድማ ኣወሳስና ግብሪ ንምዝማን፣ ኣወሃህባ ፍቓድ ንግዲ ብኤሌክትሮኒክስ መገዲ ንምጥንኻር፣ ምዝገባ ከፈልቲ ግብሪ ንምምሕያሽን ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ግልፅነትን ተሓታትነን ንኽጉልብት ከምዘኽአለ ኣገንዚበን።
ብኣንዷለም ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!