መረፃ መጅሊስ ምዝገባ መረፅቲ 13 ሓምለ ክዛዘም እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ መረፃ መጅሊስ ምዝገባ መረፅቲ 13 ሓምለ 2017 ዓ.ም ክዛዘም እዩ፡፡
ፈፃሚ ቦርድ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዓብዱላዚዝ ኢብራሂም (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ “መረፃ ንሓያል ትካል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መረፃ መጅሊስ ምዝገባ መረፅቲ ካብ 20 ሰነ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ መረፅቲ ምዝገባ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣመራርሓ መጅሊስ ከይዲ ቅድመ መረፃ 98 ሚኢታዊ ምክያዱ ገሊፆም፤ እቲ መረፃ ካብ 9 ክሳብ 11 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ኣብ መላእ እታ ሃገር መረፃ ክካየድ እዩ።
ህዝበ ሙስሊም ክመርሐኒ እዩ ዝብል ኣመራርሓ ንምምራፅ ንቁሕ ተሳትፎ ምግባር ትፅቢት ከምዝግበር እውን ኣገንዚቦም።
ብፈቲያ ኣብደላ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡