መረፅቲን ሕፁያት ብኦንላይ ምምዝጋብ ዝኽእልሉ ሶፍትዌር ተዳልዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ መረፅቲን ሕፁያትኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ብኦንላይ ምምዝጋብ ዝኽእልሉ ሶፍትዌር ምምዕባሉ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ቦርድ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ መረፅቲ ይኹን ተወዳደርቲ ምምዝጋብ ዘኽእል ስርዓት ምምሕዳር ስርዓት ቴክኖሎጂ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ይዝቲ ኣሎ።
ኣካቢ እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ፤ ትካሎም ኣብ መረፃ ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ ምፅንሑ ኣረዲአን፡፡
ናይ ሎሚ ዘተ እዚ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምምሕዳር ስርዓተ ቴክኖሎጂ ንፖለቲካዊ ውድባት ምቕራብን ሓሳባትን እታዎታትን ንምእካብ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፀን።
ዝሓለፉ ሽዱሽተ መረፃ ኢትዮጵያ ማንዋል ከምዝነበሩ ብምዝካር፤ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ መረፅቲን ሕፁያት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ብኦንላይ ምምዝጋብ ዝኽእልሉ ሶፍትዌር ምምዕባሉ ኣፍሊጠን፡፡
ከይዲ እቲ መረፃ ኢትዮጵያ ስርዓተ መረፃ ንቕድሚት ክትስጉም ዘኽእላ ካብ ምዃኑ ብዝሓለፈ ከይዲ መረፃ ግልፅነትን ተሓታቲነትን ንምስፋን ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፋ ፖለቲካዊ ውድባት ብወገኖም እቲ ሶፍትዌር ግዜ ዝቑጥብን ምንግልታዕ ዝንኪን ምዃኑ ብምሕባር፤ግልፅነትን ተሓታትነትን ምቹው ሃዋህው ከም ዝፈጥርን ኣረዲአን።
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana