መራከብቲ ሓፋሽ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምሕጋዝ ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ክሰርሑ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መራከብቲ ሓፋሽ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምሕጋዝ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ሰንበት ኤ.ኣይ ስቱድዮን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣሰራርሓ ዘሰልጠኖም 25 ናይ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን፣ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያን ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ሰብሞያታት ኣመሪቖም፡፡
እቶም ሰብሞያታት ብሓገዝ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቴክኖሎጂ ኣብ ትሕዝቶ ስራሕ ዋጋ ንምውሳኽ ዘኽእል ፅንስ ሓሳብ ተግባር ተኾር ስልጠና ወሲዶም፡፡
ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ኣብ ስነ-ስርዓት መርሃ ግብሪ ምረቓ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ስልጠና ብቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ዘሰጉማ ምዃኑ እቶም ሰልጠንቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ሃገር ንምልዋጥ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር።
ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር፣ ብሄራዊ ረብሓታት ንምሕላው፣ ሓባራዊ መፃኢ ንምፍጣር፣ ሃገር ንምምዕባል ዝተትሓዙ ትልሚታት ንምዕዋት ቴክኖሎጂ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ምስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ብሄራዊ ረብሓታት ዘሕልው ፊልምታት ንምፍራይ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ ብምስልጣን፣ ብዛዕባ እቲ ቴክኖሎጂ ግንዛበ ንምፍጣርን ክሰርሑ ከምዘለዎም ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕቲ ትሕዝቶ ሚዲያ ብምጥቃም ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ክውዕል ከምዘለዎ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FFBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!