Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 1፡30 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ።

ሰዓት  8፡30 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን።

ሰዓት 11፡00 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን ከምኡውን ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝተሰናበተት ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃምፕተን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 1 ን 0 ብምስዓር ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ  ናብ 3 ክወርድ ብምግባር መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ብኣቤል ንዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.