መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ብሓባር ንምምዕባል ልዑል ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ብሓባር ንምምዕባል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣሰሮም ኣንቢሮም፤
ሓምላዋይ ኣሰር ኣብ ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዝስራሕ ስራሕ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ባዕሉ ኣሰር ንከንበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብምትካል ምብራኽ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣብ መልላእ ሃገር ይካየድ ኣሎ።