መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ንክትብርኽ ዝገበረ ኢዩ-ኣይተ ኣወል ኣርባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ዓፋር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ተኸላ ፈልሲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣሰሮም ዘንበሩ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ንክትብርኽ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስራሕ ከምእትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉንመርኣያ ዓለም ዝኾነትሉን ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝረኸብናዮም ውፅኢታት አንተይተዘናጋዕና ናይ ባዕልትና ሪከርድ እናመሓየሽና ንኢትዮጵያ ክብ ናይ ምባል ስራሕና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።
ብከሊፋ ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!