መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ዝነኣድ ለውጢ ዝተረኣየሉ እዩ – ራሚዝ አላካባሮቭ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓጋዚ ዋና ፀሓፊን ሕቡራት መንግስታት ከምኡ እውን መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ራሚዝ አላካባሮቭ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ለውጢ ዝተረኣየሉ እዩ አሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሰላሴ ስራሕ ግዝኦም ዝዛዘሙ ራሚዝ አላካባሮቭ (ዶ/ር) ኣብ ዘሰናብትሉ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዕዉት ምትሕብባር ኣለዋ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነኣዱ ለውጢታት ርእየ ዝበሉ ራሚዝ አላካባሮቭ (ዶ/ር)፤ ኣብ ኢትዮጵያ ትርጉም ዘለዎ ግዘ ምሕላፎም ተዛሪቦም፡፡
ብፍላይ ኣብ ከተማን ገፀርን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ለውጢ ስራሕ ምንቅቓሖም ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ብተወሳኺ ብምኽንያት ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓት ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልል እናተቐየሩ ምዃኖም ገሊፆም፡፡
እቲ ካሊእ ዘሐጉስ ምዕባለ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዘሎ ብዓለም ዓብዩ ዝኾነ መርሃ ግብሩ ሓምለዋይ ኣሰር ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!