Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ምኽባር በዓል ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ምኽባር በዓል ምስረታ መበል 70 ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ይካየድ ኣሎ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ በዓል ምስረታኡ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናኽበረ ዝፀንሐ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታታታትን ፕሬዚዳንታት ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ መርሃ ግብሪ እናተኻየደ ዝርከብ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣስራት ኣፀደወይን (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበሉዎ÷ ዋና ምኽንያት ምኽባር በዓል ምስረታ ሰብ ውዕለታ ሃገር ዝኾኑ ትካላት ፃዕሪን ዓወትን ምፍላጥ ኢዩ።

እቲ ትካል ዕዉት ንኽኸውን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ሃገራት ትካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝሃነፆም ህንፃታት ብግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ነበር ኣመራርሓ ላዕለዎት ሓኻምን ስያመ ተዋሂቡዎም ኢዩ።

ብሙሉጌታ ደሴ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.