መስዋእትነት ብምኽፋል እንተይተረፈ ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ሰራዊት ፖሊስ ተፈጢሩ ኢዩ – ኮ/ጄ ደመላሽ ገ/ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል እንተይተረፈ ዝተውሃቦ ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ሰራዊት ፖሊስ ተፈጢሩ ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ጄነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ሲሉ ገሊፆም፡፡
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 116 በዓል ምስረታ ፖሊስ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ።
ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ እዋን፥ ብለውጢ ዝተወደቡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እቲ ሰራዊት ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ፀጥታ ብምውዳድ መስዋእትነት ብምኽፋል እንተይተረፈ ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ሰራዊት ፖሊስ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እምነ ኹርናዕ ካብ ዝንበር ጀሚሩ ፖሊስ ፌደራል ምስ ካልኦት ትካላት ፀፅታ ብምዃን 24 ሰዓት ድሕንነት እቲ ግድብ እናሓለወ ከምዝፀንሐ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኮስታል ፖሊስ ጋርድ ከምዝተወደበ ብምሕባር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ መንግስቲ ብዝወሃብ ልኡኽቶ ከምዝዋፈር ገሊፆም፡፡
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣህመድ (ዶ/ር) ነቲ ትካል ብዝሃቡዎ ትኹትን ጥንኩር ኣመራርሓ ኮሚሽነር ጄነራል ምስጋና ኣቕሪቦም።
ብሃይለማርያም ተገኝ