Fana: At a Speed of Life!

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንምፅናሕ ትገብሮ ናይ 90 ደቒቕ ንሕንሕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታ ኢትዮጵያ መድን ሻምፒዮን ብምግባር ካብቲ ሊግ ካብ ሞንጎ ዝሰናበታ ኣርባዕተ ጋንታታት እተን ሰለስተ ኣቐዲሙ ናብ ላዕለዋይ ሊግ ብምፍናው ናይዚ ዓመት ውድድር ንምዝዛም ሰለስተ ፀወታን ክልተ መዓልቲን ጥራሕ ተሪፉዎ ኣሎ፡፡

ንኣዳማ ከተማ፣ ስሑል ሽረን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ስዒባ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ትወርፍ ጋንታ ዝውስን ናይ 90 ደቒቕ ንሕንሕ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ፡፡

ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ዝግበር ናይ መወዳእታ ሰሙን መርሃግብሪ ፀወታ እቲ ሊግ መቐለ 70 እንደርታን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ከቢድ ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ብ41 ነጥቢ 2 ዕዳ ሸቶን ኣብ መበል 14 ደረጃ ትርከብ ኢትዮ ኤሌክትሪክን ብተመሳሳሊ ነጥቢ ብ8 ዕዳ ሸቶ ኣብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ መቐለ 70 እንደርታን ናይ ሎሚ መዓልቲ ተናሓናሕቲ ኢየን፡፡

ኢትዮ ኤሌክትሪክ ማዕረ ውፅኢት ካብ ምውራድ ከትርፋ ይኅእል ኢዩ፡፡

ብኣንፃሩ መቐለ 70 እንደርታ ካብቲ ሊግ ንዘይምውራድ ምዕዋት ብሕታዊ ኣማራፂ ገይራ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝገበረኦ ፀወታ እቲ ሊግ ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ግዘ ርክበን መቐለ 70 እንደርታ 3ቲኡ ብምስዓር ልዕልነት ኣለዋ፡፡

ኣብ መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪ ተጋጠምተን ክስዕራ ዝኸኣለ ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ መዓለቲ ኣብ ውድድር ዓመት 2018 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ምዃነን ንምርግጋፅ ባዕለን ዝውስናሉ ፀወታ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.