Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 መድረኽ ፎረም ጣና ተኸምቢቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ባህር ዳርን ኣዲስ ኣበባን ክሳለጥ ዝቐነየ መበል 11 ፎረም ጣና ተኸምቢቱ።

እቲ መድረኽ፥ “ኣፍሪካ ኣብ ተቐያያሪ ሉላዊ ሰርዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ዓለም ተረባሒት ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምቕራብ ልዝብ ተገይሩሎም።

ነበር መራሕቲ፣ ሚኒስትራትን ምሁራንን  ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ፎረም ተሳቲፎም።

ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ጠመተ ዝገበረ እቲ ፎረም፥ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ተኸንቢቱ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.