መበል 11 መድረኽ ፎረም ጣና ተኸምቢቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ባህር ዳርን ኣዲስ ኣበባን ክሳለጥ ዝቐነየ መበል 11 ፎረም ጣና ተኸምቢቱ።
እቲ መድረኽ፥ “ኣፍሪካ ኣብ ተቐያያሪ ሉላዊ ሰርዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ዓለም ተረባሒት ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምቕራብ ልዝብ ተገይሩሎም።
ነበር መራሕቲ፣ ሚኒስትራትን ምሁራንን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ፎረም ተሳቲፎም።
ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ጠመተ ዝገበረ እቲ ፎረም፥ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ተኸንቢቱ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!