መበል 17 ከተማ ለኸ ባህላዊ ፈስቲቫል ምስላጥ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 17 ከተማ ለኸ ባህላዊ ፈስቲቫል “ባህልን ፈጠራውን ሞዛይክ ኣዲስ ኣበባ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኢግዚብሽን ማእኸል ምስላጥ ጀሚሩ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ጃንጥራር ኣባይ፣ ሓላፊትቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂሩት ካሳው (ዶ/ር)፣ ዓበይቲ ዓድን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
እቲ ፌስቲቫል ልምድታት፣ ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምዕቃብን ንምስግጋርን ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
እቲ ከተማ ለኸ ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫል ክሳብ 25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክሳለጥ እዩ ተባሂሉ፡፡
ብፌቨን ቢሻው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!