መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ።
ኣተሓባባሪ ዓውዲ ምምሕዳር እቲ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ዴኤታ ብርሃኑ ፈይሳ፥ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣቦታት ብደም፣ ኣዕፅምቲን ህይወትን መስዋእትነት ዘፅንሕዎ ዓወት እነኽብረሉ መፍለዪና ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሰንደቕ ዓላማና ዳግማይ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ክብ ኢሉ ንክረአ ዝተገበረሉ ዓመት ከምዝኾነ ናይ ሎሚ ዘበን ኣከባብራ ፍሉይ ይገብሮ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ትውልዲ ካልኦት ሃገራዊ ዓወታት ንምድጋም ዳግማይ ቃሉ ዘሐድሰሉ ዕለት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ