Fana: At a Speed of Life!

መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ስነ ስርዓት መኽፈቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ይሳተፍ ኣሎ።

ዋና ፅሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ እቲ ጉባኤ እናተኻየደ ዝርከብ ዓለም ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላዋትን ከምኡ እውን ብድኽነት፣ ጥምየትን ኲናትን እትፍተንሉ ኣብ ዘላ እዋን እቲ ጉባኤ ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

መበል 80 ዓመት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓበራዊነት ብምጥንኻር ዝተመሓየሸት ሃገር ንምፍጣር ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ዓለም ማዕርነትን ፍትሕን ስኢና ውልቃውነትን ከቢድ ክሳራን የጋጥማ ምህላዋ እውን ኣረዲኦም፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ምርጫኡ ኣብ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዘላቒ ልምዓትን ሰብኣዊ ክብረትን መሰረት ብምግባር ክገብርን ኣብ ኣፈፃፅምኡ ተወፋይነት ከርኢን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.