Fana: At a Speed of Life!

መበል 90 በዓል መዓቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝቕፅል 21 ሕዳር ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 90 በዓል መዓቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝቕፅል 21 ሕዳር ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ፡፡

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ ንሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምጥን ደረጃ ንምጥያሽ ብዙሓት ስራሕቲ ምምሕያሽ እናተወገኑ ይርከቡ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ቀዲማ ሓይሊ ኣየር ከምዝተዓጠቐት ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ኣዛዘ፥ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ሃገር ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ዝርከብ ዓብዪ ትካል ኢዩ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ቢሾፍቱ ኣለማየሁ ኣሰፋ ብግደኦም፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ እዚ በዓል ብግቡእ ንምትእንጋድ ተግባራት ቅድመ ምድላው ከምዝወገነ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ናብታ ከተማ ዝመፅኡ ተሳተፍቲ ብዝተማለአ መልክዑ ንምትእንጋድ ምድላው ተገይሩ ኢሎም።

እቲ በዓል ምስረታ ብምምልካት “ንሓይሊ ኣየር ብሙሉእ ዓቕመይ ክጎዪ እየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ጉያ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ብይስማው ኣደራውን እዮናዳብ ኣንዱኣለምን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.